Information and Support

ዕላማን ስፍሓትን

ኣብ መንጎ 1 ሰነ 2022ን 22 ሕዳር 2022ን (እቲ ‘ተዛማዲ እዋን’) ኣብ ማንስቶን ናይ ሓጺር ግዜ ናይ መጻንሒ መሳለጥያ (‘ማንስቶን’) ዝተኣስሩ ሰባት ዘጋጠሞም ኩነታት (እቲ ‘ፍጻመ’) ዝስዓቡ ውሳኔታት፡ ተግባራትን ኩነታትን ንምምርማርን ንምግላጽን ዝዓለመ።

ኣብቲ ዝምልከቶ እዋን ኣብ ማንስቶን ዝተኣስሩ ሰባት ኣብ ኣተሓሕዛኦም ኣብ ጭቡጥ መደምደምታ ንምብጻሕ፤ ድሕሪኡ ድማ ኣተሓሕዛ እቲ ፍጻመ ብዝምልከት ኣድላዪ ዝመስል ዝኾነ ይኹን ከምዚ ዝኣመሰለ ለበዋታት ንምሃብ። እዚ ድማ ሁሴን ሃሲብ ኣሕመድ ብ19 ሕዳር 2022 ብኸመይን ኣብ ኣየናይ ኵነታትን ከም ዝሞተ ውሳነታትን ርኽበታትን ምግባር የጠቓልል።

እቲ ዝግበር መርመራ/ሕቶታት ድማ ብዝያዳ ነዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ብቐረባ ክምርምር ይግባእ፤

1. ኣብቲ ዝተጠቅሰ ውሱን እዋን ኣብ ማንስቶን ዘጋጠመ ኩነታት

2. ኣብቲ ውሱን እዋን ኣብ ማንስቶን ዝተኣስሩ/ዝተቀየዱ ሰባት ብሰራሕተኛታት ማንስቶን ዝተገብረ ኣተሓሕዛ፡ እንኮላይ ብኮንትራክተር ዝተቆጽሩ ሰራሕተኛታት ዝተገብረ ኣተሓሕዛ

3. ማንስቶን ኣብቲ ውሱን እዋን ክንደይ ሰባት ክሕዝ ከም ዝኽእልን ንሆቴላት ሓዊስካ ተወሳኺ መንበሪ ኣባይቲ ብኸመይ ከም ዘዋድድ ንምውጣንን ንምምሕዳርን ዝተወስዱ ስጉምትታት እንተ ደኣ ነይሮም፡ ከምኡ ውን ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ማንስቶን ንዝነበረ ኹነታት ጠንቂ ወይ ኣበርክቶ ዝገበሩ ውድቀታት እንተሃልዮም ምልላይ

4. ኣብ ማንስቶን ኩነታት ንምምሕያሽን ኣብቲ ውሱን እዋን እቶም ውልቀሰባት ኣብኡ ዝጸንሑሉ ግዜ ንምንካይን ዝተወስደ ስጉምትታት ውጽኢታዊ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ገምጋም ምውሳድ፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ማንስቶን ዝነበረ ኩነታት ዝያዳ ንምምሕያሽ ዝኾነ ተወሳኺ ስጉምቲ ብዝግባእ ክውሰድ ይኽእል ነይሩ ድዩ ወይ ክውሰድ ነይርዎ ድዩ ዝብል ገምጋም ምውሳድ።

5. ናይ ኤች.ኦ/(HO) ኣተሓሕዛ ናይቲ ፍጻመ ብዝምልከት ክውሰድ ዝኽእል ትምህርቲ ኣሎ ድዩ የለን

እቲ መርመራ፡ ማንስቶን ኣብዚ እዋን’ዚ ብኸመይ ይሰርሕ ከምዘሎ መደምደምታ ክገብር የብሉን፡ እንተኾነ ግን ለበዋታት ንምግባር ዝኣክል ድሕሪ እቲ ፍጻመ ዝተወስደ ለውጥታትን ስጉምትታትን ኣብ ግምት ከእቱ ይኽእል እዩ።

ኣገባብ

ስፍሓትን ኣንፈትን መርመራ በቲ ነቲ መርመራ ዝመርሕ ኣቦ መንበር ክውሰን እዩ። ከም እቲ ነቲ መርመራ ንምእዛዝ ሓላፍነት ዘለዎ ክፍሊ መጠን ድማ፡ ክፍሊ ስፖንሰር ኤች.ኦ/(HO) ደገፍ ክህብን እቲ መርመራ ነዚ ናይ ስራሕ ውዕል ንምፍጻም ዘድሊ ጸጋታት ከም ዘለዎ ከረጋግጽን እዩ።

እቲ መርመራ ነዞም ጉዳያት ንምጽራይ በዚ ዝስዕብ መንገዲ ክርእዮ እዩ፣

  • ትንተና ሰነዳዊ መርትዖታት
  • ቃለ መሕትትን ወግዓዊ መግለጺታት መሰኻኽርን
  • ምስቲ እዋን ዝተኣሳሰር ካብ ዝኾነ ቅድሚ ሕጂ ንማንስቶን ዝምልከት ጸብጻባት ዝተረኽበ መርትዖታትን ርኽበታትን

ኣቦ መንበር እቲ መርመራ፡ ግዴታታት ዓንቀጽ 3 ኤውሮጳዊ ውዕል ሰብኣዊ መሰላት ንምምላእ ህዝባዊ ሰማዒ (ፓብሊክ ሂሪንግ) ምክያድ ኣድላዪ እዩ ኢሉ እንተኣሚኑ፡ እዚ ኣድላዪ ድዩ ኣይኮነን ንምርግጋጽ መጀመርያ ምስ ጸሓፊ ውሽጣዊ ጉዳያት (ሆም ሰክረታሪ) ክመኻኸሩ ኣለዎም። ድሕሪ እቲ ምምኽኻር፡ ኣቦ መንበር ነቲ ኣብ ዓንቀጽ 3 ናይ ኤውሮጳዊ ውዕል ሰብኣዊ መሰላት ዘሎ ረቛሒታት ንምምላእ ኣድላዪ ኮይኑ እንተተረኺቡ፡ ህዝባዊ ሰምዕታታት (ፓብሊክ ሂሪንግ) ከካይድ ይኽእል።

መርመራ ነዚ ናይ ስራሕ ውዕል ንምፍጻምን ንምምላስን ካብ ዝግባእ ንላዕሊ መርትዖታት ኣብ ግምት ከእቱ የብሉን።

ከምኡ እውን ዘየድሊ ወጻኢታት ንምውጋድ ፣ ምርመራኡ ብዋጋ ውጽኢታዊ መንገዲ ንምክያድ ዝዓለመ ክኸውን ይግባእ።

ሪፖርት

እቲ መርመራ ምእንቲ ብዝተኻእለ መጠን ብብቕዓትን ብቕልጡፍን ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ክቐርብ ፣ ብዘይ ምድንጓይ ክካየድ ኣለዎ፣ እዚ ጸብጻብ’ዚ፡ ውጽኢት ጭብጢ መርማሪን ለበዋታቱን ንጸሓፊ ውሽጣዊ ጉዳያት (ሆም ሰክረታሪ) ከቕርብ ይግባእ።

እቲ መርማሪ ኣብ ርኽበታቱ ዝተመርኮሰ ሓሳባት ስጉምትታት ሓዊሱ ዝኾነ ኣድላዪ ኮይኑ ዝበሎ ለበዋታት ከቕርብ ይግባእ። እቲ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ብሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ክሕተም ምዃኑን፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ግዚኡ መልሲ ክህብን እዩ።

መትከላት

መርመራ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ መርመራኡ ግሉጽነት ንምርግጋጽ ርትዓዊ ስጉምትታት ክወስድ እዩ።

ውፉይ ናይ መርመራ ጉጅለ ኣብ ምሉእ ግዜ ተበጻሒ ኮይኑ ክቕጽል እዩ።

መርማሪ ዝኾነ ውልቀሰብ ወይ ትካላት ብሲቪላዊ ወይ ገበናዊ መንገዲ ብሕጋዊ መንገዲ ተሓተትቲ ምዃኖም ናይ ምውሳን ሓላፍነት የብሉን። እዚ ግን መርማሪ ምስ ውዕል ስራሕ ዝዛመድ ጭቡጥ ርኽበታት ካብ ምግባር ኣይዓግቶን።

ሓገዝን ደገፍን

እዚ ዝስዕብ ዝርዝር ናብ ገለ ካብቶም ምስ ፍሉይ ስክፍታታት ዝተኣሳሰር ደገፍ ወይ ምኽሪ ክህቡ ዝኽእሉ ቀንዲ ትካላት ንምምራሕ ዝሕግዝ እዩ። እቲ መርመራ ነዞም ትካላት ወይ ክህብዎም ዝኽእሉ ምኽሪ ብወግዒ ከምዘየጽድቖም ወይ ከምዘይድግፎ ክትፈልጡ ይግባእ። እዚ ምሉእ ወይ ናይ መወዳእታ ዝርዝር ናይ ኩለን ክድግፋኻ ክኽእላ ትካላት ክኸውን ዝዓለመ ኣይኮነን። ንዓኻ ንምሕጋዝ ዝያዳ ዝምችኡ ካልኦት ጉጅለታት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ንፈልጥ ኢና፣ ካብ ዝኾነ ዝያዳ ምቹእ ኮይኑ ዝስምዓካ ምንጪ ሓገዝ ክትደሊ ድማ ንላቦ።

ህጹጽ ሓገዝ ንነብስኻ ክትሕሉ እንተዘይክኢልካ፡ ወይ ድማ ነብስኻ ናይ ምጉዳእ ወይ ነብሰ ቅትለት ናይ ምፍጻም ሓሳባት እንተ ደኣ ሃልዩካ፡ በጃኻ ነዞም ዝስዕቡ ህጹጽ ኣማራጺታት ኣብ ግምት ኣእቱ፤

  • ናብ ዝኾነ ሆስፒታል ወይ ክፍሊ ሓደጋን ህጹጽ ኩነታትን (ኤ ኤንድ ኢ/A&E) ኪድ፣ ወይ ድማ ምስ ሓፈሻዊ ሓኪምካ (ጂፒ/GP) ህጹጽ ቆጸራ ሓዝ።
  • • ናብ 999 ደዊልካ ኣምቡላንስ ሕተት። ህጹጽ ዘይኮነ ሕክምናዊ ምኽሪ ንምርካብ ድማ፡ ናብ መስመር ሓገዝ ኤን.ኤች.ኤስ/(NHS) ብ 111 ደውል።
  • • ቅልጡፍ ደገፍ እንተ ደኣ ደሊኻ ግን ከኣ ንኣገልግሎት ጥዕና ክትረክብ እንተ ደኣ ዘይመሪጽካ፣ ናብ መስመር ሓገዝ ሳምራውያን ብ 116 123 ክትድውል ትኽእል ኢኻ። ኣብ መዓልቲ 24 ሰዓታት፡ ኣብ ሰሙን 7 መዓልታት ይርከቡ እዮም።

ናይ እሱር ወይ ብጉዳይ ስደትኛ ብዝተኣሳሰር ዝግበር ፍሉይ ሓገዝ

ከም ስደተኛ ወይ ሓታቲ ዑቕባ ሓገዝ ምርካብ | ቀይሕ መስቀል ብሪጣንያ – ንስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን፡ ከምኡ’ውን ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ህጹጽ ናይ ድሕነት ሓገዝ ይህብ። ቴሌፎን-0344 871 11 11

ዋሕስ ንእሱራት ኢሚግሬሽን | ዋና ገጽ  – ኣብ ማእከላት መጠረዝን ኣብያተ ማእሰርትን ንዝተኣስሩ ስደተኛታት ሕጋዊ ምኽርን ውክልናን ይህብ። ቴለፎን – 020 7456 9750 (ሰኑይ – ሓሙስ ካብ ሰዓት 10 ንግሆ – 12 ፍርቂ መዓልቲ) ኢመይል casework@biduk.org.

ሓገዝ ስደተኛታት / ሚግራንት ሄልፕ  – ንስደተኛታት ምኽርን ሓገዝን ይህብ። ብስልኪ ቁጽሪ 0808 8010 503 ክትረኽብዎ እትኽእሉ ነጻ ናይ ዑቕባ ናይ ሓገዝ መስመር ይህብ። ኢመይል info@migranthelp.org.

 ሕክምናዊ ፍትሒ – ን መሰላት ጥዕና ናይ እሱራት ምስራሕ  – ንእሱራት ኢሚግሬሽን ነጻ ሕክምናዊ ምኽርን ገምጋማትን ይህብን ንኣገደስቲ ሕክምናዊ ስክፍታታት ዝገልጽ ሕክምናዊ – ሕጋዊ ጸብጻባትን ደብዳቤታትን ብምቕራብ መሰል ጥዕና እሱራት ንምሕላው ይሰርሕ።ቴለፎን  – 0207 561 7498. ኢመይል info@medicaljustice.org.uk.   

ተሓላቒ / (ኦምቡድስመን) ኣብያተ ማእሰርትን ኣመኩሮን – ካብቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ወይ ኣብ ማእሰርቲ ኢሚግሬሽን ዝተኣስሩ ጥርዓናት ብናጻ ይምርምር።  ተሌፎን 0845 010 7938 ኣገልግሎት መልሲ ስልኪ / ቮይስ መይል) ቴለፎን – 020 7633 4100 ኢመይል mail@ppo.gov.uk.

ርኸቡና | ሳምራውያን – ንዝተጸገሙነጻን ምስጢራውን ስምዒታዊ ደገፍ ይህብ። ቴለፎን – 116 123 ነጻ ስልኪ። ብኢመይል jo@samaritans.org.

ተወሳኺ ኣገልግሎት

ማይንድ/(Mind  – ናይ ኣእምሮ ጥዕና ሓበሬታ፣ ህጹጽ ምኽሪ፣ ከምኡ’ውን ናይ ቅልውላው ደገፍ ይህብ።  ቴለፎን – 0300 123 3393. 

ምኽሪ ዜጋታት – ኣብ ሰፊሕ ጉዳያት ብነጻ ምኽርን ሓበሬታን ዝህብ ትካል ግብረ ሰናይ።  ተሌፎን – 0800 144 8848 (ዓዲ እንግሊዝ) 0800 702 2020 (ዌልስ).

ማሕበር ግብረ ሰናይ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ | ንዝኾነ ይኹን ኣብ ዝኾነ ኩነታት ንምሕጋዝ– ትካል ግብረ ሰናይ ሲቪል ሰርቪስ ንናይ ሕጂን ን ነባራትን ሲቪል ኣገልገልቲ ዝተፈላለየ ደገፍ ይህብ። ቴሌፎን – 0800 056 2424 ብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ ሰዓት 10 ንግሆ ክሳብ ሰዓት 1 ድሕሪ ቀትሪ ወይ ከም ኣማራጺ ብኢመይል  hello@cfcs.org.ukወይ ድማ ንናይ ክፍልኹም መደብ ሓገዝ ሰራሕተኛታት ተወከሱ።

Documents
ናይ ብሕታውነት ምልክታ
ናይቲ መርመራ ናይ ተሳትፎ ማመልከቻ ቅጥዒ
ምዕራፍ 2 ናይ ምርመራ ተሳታፊ ከምኡውን ሕጋዊ ወኪል ፕሮቶኮል